

WHERE CULTURES MEET
ፎር-ካመር ናይ መራኸቢ ቦታ ኾይኑ ፡ ኣስኻ ምስ ካብ ባህልኻ ወጻኢ ዝኾኑ ካልኦት ባህልታት እትላለየሉ እዩ። ከምኡ’ውን እስኻ ክትዋሳእሉ ግዴኻ’ውን እተበርክተሉን ዉሑስ ናይ መራኸቢ ቦታ ኮይኑ፡ እስኻ’ውን ቡዙሕ ሓድሽ ተመኩሮ እትቐስመሉ ቦታ እዩ። እዚ’ውን ኩዉን ክግብሮ ዝኽእል ተብላሓትነትን ተፈጥራዊ ትዕድልቲን ናይ እቶም ኣብ ሕብረተሰብና ዘለዉ ስባት ምስ እንሰርሓሉን እንጥቀመሉን ዝተፈላለዩ ባህልታት ምስ ባህልታትትና ከነራኽቦም ንኽእል።
ስለ’ዚ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ’ቲ ንሕና እነዳልዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝኾነ ሰብ ብፍላይ ድማ እዞም ብስደት ምኽንያት ኣብ ሞንጎና ዝርከቡ ሰብት ኣብ’ዚ ክሳተፉ ይኽእሉ፡ ንምስሌ ኣብ ብህላዊ ድራር፣ ኣብ ናይ መስተ ዕላል፣ ኣብ ዝወሃብ ዕውደ-ንባብ፣ ኣብ ምስራሕ ማርማላዳ፣ ኣብ ብደቂ ኣንስትዮ ዝዳሎ ብህላዊ ቡን፣ ኣብ ዛንታታ ዝንገሩሉ ምሸት ምክፋል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ቡዙሓት ዝዳለዉ መደባት ክሳተፉ ይክእሉ። እዚ ኹሉ ዝግበር ምድላውት ካብ ኩሎም ኣብ ፎር-ካመር ተጠቀምቲ ዝኾኑ ስባት (ዝተፈላለዩ ሕብረት-ሰብት ኣብ ፎር-ካመር) ዝመንጨወ ኮይኑ ንረብሓ ዝተፈላለዩ እዞም ሰባት ደማ ይውዕል።
ሓደ ሰብ ባህጊ ወይ ድሌት ምፍላጥ ካልኦት ብህልታት እንተ ዳኣ ኣለዎ ወይ ውን ንካልኦት ሰብት ንምሕጋዝ ድሌት ምስ ዝህልዎ፡ ስባት ምእንቲ ንኸይጋየሹን ቕልጢፎም ምስ ካልኦት ሰባት ንኽላለዩን ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክተሓጋገዝም ይኽእል’ዩ። ወይ’ውን ሓደ ስብ በቲ ንዑኡ ደስ ዝብሎን በቲ ብተፈጥሮ ዝተውህቦ ክእለት ክሰርሕ እኽል’ዩ
ሰለዚ ናብ ፎር-ካምር ብምምጽእ ወዲ-ስብ ቡዙሕ ንመጻኢ ዕድላቱ ብኸመይ ጌሩ ክጥቀመሎም ክምዝኽእል ዝሕብሩ መብሪሂታትን መግለጺታት ክረክብ እኽእል’ ዩ ዝብል እምነት ፎር-ካመር ኣለዎ።
ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ፎር-ካመር ንኹሉ ማዕጽኡ ከፍቱ ክቕበል ቁሩብ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ፎር-ካመር ኩሉ ኣብ ፎር-ካመር ረብሓ ዘለዎ መጽኡ ክዛናጋዕ፡ ቡን ካርዳሞን ክሰቲ ፡ ሻሂ ናዕናዕ ክስቲ ከምኡ’ውን ሙቁር ናይ ሆላንድ ፋርማጆ መጽኡ ንኽበልዕን ብኽብሪ ትዕድም።