ፎር-ካመር ብ2016 ንመጀመርታ ማዕጾኣ ኣብ ኡትረኽት ከፊታ። እዚ ናይ ዝተፈላለዩ ብህልታት መራኸቢ ቦታ ድማ ተፈጥረ። ዓላማ’ዚ ቦታ’ዚ ድማ ንምሕቛፍን ንምውህሃድን ዝተፈላለዩ ባህልታት ንዑኡ ንምምዕባልን እዩ፡ እዚ’ውን ትውህቦታት ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ንምህብታሞምን ንምትብቦዖምን ሓገዛት ንምግባር እዩ ተመስሪቱ። እዚ ቦታ’ዚ ካብ ዝተኸፈተሉ ግዜ ጀሚሩ እቲ ተብግሶታት ናይ ዝተፈላለዩ ሕብረት-ሰባት ጥራይ ንኸይከውን ዝካኣላ ጻዕሪ ተካይድ ኣላ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ኣዞም ተበግሶታት እዚኣቶም እተንቅሎምን ቅርጺ እተትሕዞምን ባዕላ ፎር-ካመር እያ።
እዚ ንምዕዋቱ ድማ ብንኡስ ብካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝቖመ ጉጅለ ክንሰርሕ መሪጽና። እዚ ዝቖመ ጉጅለ’ውን ንምፍጣር ትባሓላትነትን ጠቓሚ ርኽክብባትን እሕግዝ ክኢሉ’ዩ፡ በዚ መገድ’ዚ ምንቋቋሕታትን ተባሓላታትነትን ኣብ ነንሕድሕድካ ክትማቐልን ክትለዋወጥን የተባባዓካን ይሕግዘካን። ምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ክኢላታትትን ሰብ ሙያን ብምትሕብባር ድማ ኣኼባታትን መድባትን ንሰርዕ። እዝኦቶም’ውን ንምንቅስቓሳት ንፎር-ካመር ሂወት ይሰኹዑሉ፡ ከምኡ’ውን ንዓና ናይ መዘናጊዕ መደባት ክንፈጥርን ሓደሓደ ምርኢታት ከንቕርብን ይኽእሉና።
እንሕና ቡዙሓት መድባት የዐዊትና ኢና፡ እዚኦም ድማ ካብ ድሌታትን ባህግታትትን ካብ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ናይ ፎር-ካመር ዝመንጨዉ እዮም፡ ገለ ካብዚእቶም ንምጥቃስ ዘኣክል ስሙናዊ ምድላው ጸወታ ምሸት፡ ሰሙናዊ ዛንታታ ዝንገሩሉ ምሸት ምድላው፡ ሰሙናዊ ናይ ስእልን ናይ ምስልታት ምስራሕ ኢደ-ጥበብ ዝውሃበሉ መደባት ምድላው፡ ናይ ሙዚቃ መሳሪሕታት ምልምማደን ንዝተኻዕበተ ተሞክሮ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዝካኣለሉ መድባት ምድላው፡ ከምኡ’ውን ናይ ርክያሞ ቅርጻ ምውጻእን ምርካምን ዝኣመሰሉ መደባት እዮም።
ፎር-ካመር ማዕርነት ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባትን ክብሪ ዝኾነ ውልቀ-ስብ ቅድሚት ዝሰርዕ ትካል እዩ። እዞም ክብርታት ኣዝኣቶም ድማ ደረት ኣብ ምንጎ ዝኾነ ተሳታፍቲ እፈጥሩ። እዚ ማለት ዝኾነ ስብ ኣብ ብፎር-ካመር ዝዳሎ መደባት ኣብ ዝሳተተፈሉ ግዜ እዞም ክብርታት እዚእቶም ኣብ ግምት ምስ ዝእቱ ጥራይ’ዩ ኣብ ፎር-ካመር ክዋሳእ ዝኽእል፣ ብኻላእ ኣዘራርብ እዞም ክብርታት እዚእቶም ክርስዕም የብሉን። ብዚ መልክዕ’ውን
ምስ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ መደባት ክቀራረብን ክረዳዳእን ኣለዎ። እዚ’ውን ንምውህሃድን ንምርድዳእን ኣብ ሞንጎ ደቂ ስባት ሓጋዚ’ዩ። እብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ደቅ ስባት ውልቅዊ ናጽነቶም እኽዕብት ተባላሕነቶም ድማ ይድንፍዕ።
እቲ ቀንዲ ዓላምና ኣብ ፎር-ካመር ድማ ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ሰብ ዉሑስ ቦታ ምፍጣር ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ዝኾነ ስብ ሓሳብቱን ስምዒቱን ነጻ ኮይኑ ንምግላጽ’ዩ።
ኣብ ፎር-ካመር ኩሎም ሰባት ነንሕድሕዶም ዘልዎም ፍልጠትን ተመኩሮን ንምልውዋጥ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባት’ውን ርኽክባት ንምስፍሕፋሕን ዝምድናታትካ ምህብታምን’ዩ።
እንሕና እንኣምነሉ ምውህሃድ ደቂ ስባት ብኢሰብእዊ ሕግታትን ቅጥዕታትን ኣብ ሓደ ሕብረተ ስብ ከምዘይዕወት’ዩ። እንታይ ድኣ ሓድ ውልቀ-ስብ ኣብ ሞንጎ ሓደ ሕብረተ-ስብ ከም ዝተዋሃሃደ ክስምዖ እንተ ዳኣ ኮይኑ፡ እሱ ኣካል ናይ’ቲ ዝነብረሉ ዘሎ ሕብረት-ሰብ ምዃኑ ዕግበት ምስ ዘሐድር እዩ።
ኣብ ፎር-ካመር ባህልን ኣቃዉማን ከም ዓይነታውያን መሳሪሒታት ኣብ ምፍጣር ምትሑቁቛፍ ኣብ ሞንጎ ደቂ ስባት ንጥቅመሎም። እቲ ዕላማ ድማ ካብ ፎር-ካመር መሳልላት ፈጢርካ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ውሽጢ ዘልናዮ ሕብረትሰብ ናይ መራኸቢ ድልድላት ምስርሕ እዩ። ባህልን ኢደ-ጥበብን ኣብ ፎር-ካምር ከም ኣድለይቲ ነገራት ኣብ ሓደ ሕብረት-ሰብ ንምውሳእን ንምስታፍን ይውሰዱ። እዚኦም ድማ ክባራቱዕን ክተባቡዑን ዘልዎም ነገራት እዮም፡ ምኽንያቱ እዚኦም ኣብ ንሰባት ዝግበር ምቅርራብን ምዝምማድን ኣወንታዊ ግደ ሰልዘለዎም።
ፎር-ካመር ብተብገሶ ሃንድስቲ ማሕበራዊ-ዝምድናታትን ተማራመርትን ፒም ቫን ደር ማይን ሻይ ራቪቭን እዩ ተማሂዙ፡ ብረብሓ-ኣልቦ ኮለክቲቭ ናውንስ ተሰሪቱን ተሰሪሑ ተወዲኡን።
wordt mogelijk gemaakt door:









